መሰላትን ረብሓታትን ዓይነ-ስዉራን ንምሕላውን ኣብ ልዕሊ ዓይነ-ስዉራን ዝነበረ ኣጠማምታ ንምልዋጥን ውጽኢታዊ ጻዕሪ ከምእተኻየደ፡ ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ ገሊጹ።

ምክትል ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ዳዊት ሰለሙን፡ ካብ መንግስቲ፡ ሕብረተሰብን ካልኦት ኣካላትን ብዝተገብረ ኩሉመዳያዊ ደገፍ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ናይ ትምህርቲ፡ ስልጠናን ቁጠባን ዕድላት ከምዝረኸቡ፡ እዚ ድማ ኣብ ምዕባለኦም ሓጋዚ ተራ ከምዝነበሮ ኣረዲኡ።

ወለዲ ዓይነ-ስዉራን፡ ደቆም ናብ ቤት-ትምህርቲ ‘ኣብርሃ ባህታ’ ክልእኩ ብዝተኻየደ ጐስጓሳት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣስታት 250 ዓይነ-ስዉራን ኣብ’ታ ቤት-ትምህርቲ ክመሃሩ ዕድል ከምዝረኸቡን – ኣብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ካልኦት ትካላትን ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ከምዘለዉን ሓቢሩ።

ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ 48 ዓይነስዉራን፡ ፍሉይ ናይ ኮምፕዩተር ስልጠና ቀሲሞም ተጠቀምቲ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኪኾኑ ከምዝበቕዑ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንዝምህሩ ናይ ብሬል መጽሓፍ ብናጻ ከምእተዓደሉ፣ ኣብ ኣስመራ ዲጂታል ቤትንባብ ከምእተኸፍተሎም ከምኡ’ውን ኣብ ኮሌጅ ምድላው መማህራን ትምህርቶም ክቕጽሉ ዕድል ከምእተራሕወሎም ገሊጹ።

ኣብ ዞባታት ናይ ትምህርቲ ዕድል ንዝሓለፎም ኣባላት ማሕበር፡ መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ብምውዳብ ናይ ብሬል ትምህርቲ ከምዝከታተሉ ከምእተገብረ፡ ዛጊት ድማ 62 ካብኦም ብብሬል ክጽሕፉን ከንብቡን ከምዝኸኣሉ ኣረዲኡ።

ኣቶ ዳዊት፡ ናይ ማእለማ፡ ሙዚቃ፡ ምርባሕ ደርሁን ከብቲን ካልእ ሞያታትን ስልጠናታት ብምሃብን ሓገዝ ብምግባርን ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ከምዘለዉ እውን ሓቢሩ።

ኣብ መስከረም 1996 ዝተመስረተ ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 13 ሽሕ ኣባላት ኣለውዎ።

Categories