ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ፓኪስታን – ዶ/ር ዓሪፍ ኣልቪ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ዶመኒካን – ሉዊስ ኣቢናደር፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት በዓል ናጽነት፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ፡ ብስሞም፡ ከምኡ’ውን ብስም መንግስታቶምን ህዝብታቶምን ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ “ኣብ’ዛ ዕዝዝቲ ዕለት ናጽነትኩም – ዮሃናና ክንገልጸልኩም እንከለና ሓበን ይስመዓና” ድሕሪ ምባል፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ፓኪስታን – ዶ/ር ዓሪፍ ኣልቪ ብተወሳኺ፡ ፓኪስታን ምስ ኤርትራ ንዘለዋ ኣብ ሓባራዊ ባህሊ፡ ታሪኽን ክብርታትን ዝተሰረተ ሕውነታዊ ዝምድና ዓቢ ግምት ከምእትህቦ ብምጥቃስ፡ ህሉው ምሕዝነት፡ ምትእስሳርን ምትሕብባርን፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመታት – ንሓባራዊ ረብሓታት ክልቲኡ ህዝብታት ብዘገልግል መንገዲ ዝያዳ ከምዝምዕብል ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ዶመኒካን – ሮቤርቶ ኣልቫረዝ እውን፡ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ።

Categories