ኣባል ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ገዲም ተጋዳላይ ዓብዱሰላም ዓሊ መሓመድ፡ ብ31 ግንቦት ኣብ መበል 68 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ዓብዱሰላም፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1976 ከቢድ መውጋእቲ ኣጋጢምዎ ክሳብ ዝስንክል – ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዝተጋደለ ሓርበኛ እዩ።

ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ዓብዱሰላም ዓሊ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 8 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ ሰሉስ 1 ሰነ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ዓብዱሰላም ዓሊ መሓመድ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱን መቓልስቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories