ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ በዓል ናጽነቶም፡ ብዝተፈላለየ ምዕሩግ ኣገባባት ይጽምብሉ ኣለዉ።

ካብ ኤምባሲ ሚድያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፡ ከም ኣካል ናይ’ዚ ዓቢ ሃገራዊ መደብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ብማንዛ፡ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል ዝሳተፍዎ ንሓደ ሰሙን ዝቕጽል ንጥፈታት፡ ብ18 ግንቦት 2021 ጀሚሩ ኣሎ።

እዚ መደብ’ዚ፡ ካብ’ቶም ቅድሚ ሕጂ ብማንዛ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ዝሰፍሐን ፍሉይ ትሕዝቶ ዘጠቓለለን ክኸውን እንከሎ፡ ብዝተፈላለየ ኣማራጺታት ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝፍኖ፡ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ መሰናድኦታት፡ ኣብ ለንደን ብዝተኻየደ መደብ ምውላዕ ‘ሽግ ናጽነት’ን ‘ባንዴራይ ኣንበልብልን’ ብኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ክብገስ እንከሎ፡ ነበርቲ ከተማታት ለንደን፡ ቢርሚንግሃም፡ ሌስተር፡ ማንቸስተር፡ ኮቨንትሪ፡ ኖቲንግሃም፡ ኒውካስል፡ ሊቨርፑል፡ ሊድስን ሸፊልድን፡ መካይኖም ብባንዴራ ኤርትራ ኣወቂቦም፡ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ሰልፊ ማካይን ኣካዪዶም።

ብዘይካ’ዚ፡ ንጉዕዞ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነት፣ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጠሙ ተጻብኦታትን መሰናኽላትን፣ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተሰግረ መስገደላትን ዘንጸባርቕ መደብ፡ ከምኡ’ውን ተዘክሮታት ተጋደልትን ሓፋሽ ውድባትን፡ ኣካል ናይቲ ጽምብል ምዃኖም ተፈሊጡ።

Categories