ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት፡ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ኣካዪዱ።

ብ20 ግንቦት ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ኣብ ዝተኻየደ በዓል፡

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ንሃገራዊ ናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዘለዎ ጅግንነት ከምዝፈጸማ ጠቒሳ፡ ሕጂ’ውን ከይተዛነያ ንኹሉ ድሉዋት ምህላወን ኣረጋጊጻ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ማዕርነት ንብዙሕ ድሕረታት ሰጊሩ ምዕቡል ኣረኣእያ ዘስረጸ ሕብረተሰብ ምዃኑ ጠቒሳ ድማ፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ትምህርቲ ምርግጋጹን ተወዳዳርነተን ምዕባዩን፣ ኣብ ኮሌጃት ከኣ ተሳታፍነተን 45 ሚእታዊት ምብጽሑ፡ መርኣያ ናይቲ ዝተኻየደ ቃልሲን ዝሰረጸ ንቕሓትን ምዃኑ ኣረዲኣ።

ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ካብ 4 ግንቦት ጀሚሩ ነቲ በዓል ዘድምቕ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ከካይድ ምጽንሑ፡ ካብ’ቲ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories