ፕረዚደንት ፈደረሽን ስዊስ (ስዊዘርላንድ) ጉይ ፓርመሊን፡ ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታፍ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ፈረንሳ ኤምናዌል ማክሮን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 30 ዓመት ናጽነት፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ብስም መንግትስታቶምን ህዝብታቶምን ከምኡ’ውን ብስሞም ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ እቶም መራሕቲ፡ “ኣብ’ዛ ዕዝዝቲ ዕለት ናጽነት ሃገርኩም፡ ዮሃናና ይብጻሕኩም!” ድሕሪ ምባል፡ ዝምድና ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ዘለዎም ድሌትን ድሉውነትን ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ስዊስ ጉይ ፓርመሊን ብተወሳኺ፡ ቀንዲ ኣህጉራዊ ብድሆታት ንምግጣም፡ ኣብ ሓድሕድ ምትእምማን ዝተሰረተ ጽቡቕ ክልተኣዊ ዝምድና ምህላው ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ስዊዘርላንድን ውጽኢታዊ ምትሕብባር ክህሉ ዘለዎ ሰናይ ምንዮት ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማንዌል ማክሮን ብወገኑ፡ ኣብ’ዚ ናይ ለበዳ ኮቪድ19 ከቢድ እዋን ዝግበር ምትሕብባር፡ ንኣህጉራዊ ሰላምን ርግኣትን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ክልተኣዊ ዝምድና ንምድልዳልን ንምዕማቚን ዘለዎ ባህጊ ኣረጋጊጹ።

Categories