ትማሊ 21 ግንቦት ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላባራቶሪ መርመራታት፡ 15 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም ድማ፡ 13 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 2 ድማ ኣብ ጢዖ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ማእከል ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 11 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 3,921 በጺሑ ኣሎ። 3,711 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 14 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 196 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 21 ግንቦት 2021

Categories