ገዲም ሓርበኛ ዑስማን መሓመድ ኣደም (በዓል ገጽ)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ተሰነይ ሕክምናዊ ክንክን ክገብረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መበል 78 ዓመት ዕድሚኡ ብ7 ግንቦት ተሰዊኡ።

ሓርበኛ ዑስማን መሓመድ ኣደም፡ ኣብ 1965 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ኣብ 1970 ድማ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ክፍልታትን – ድሕሪ ናጽነት መላእ ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣመሓዳሪ ዓሊግደር ተመዲቡ ንህዝቡን ሃገሩን ብልዑል ብቕዓትን ተወፋይነትን ዘገልገለ፡ ኣብ 1994 ካብ ስራሕ መንግስቲ ተሰናቢቱ ሲቪላዊ ሂወቱ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓርበኛ ኢዩ።

ገዲም ሓርበኛ ስዉእ ዑስማን መሓመድ ኣደም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸሞንተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ ቀዳም 08 ግንቦት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ተሰነይ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብመስዋእቲ ገዲም ሓርበኛ ስዉእ ዑስማን መሓመድ ኣደም ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories