ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ- ክፍሊ ሕግን ስርዓትን ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ 400 ትካላት ብዝተገብረ ቁጽጽር 30 ሽሕ ናቕፋ ዝትመን መዓልቱ ዘሕለፈ መግብን ናውቲ ጽሬትን ብምእካብ ኣቃጺሉ።

ሓላፊ ሕግን ስርዓትን ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ ክፍለ ሃይለ፡ ወነንቲ ትካላት ንህዝቢ ዘቕርብዎ መግብን ካልእ ነገራትን ግዜኡ ምስ ዘሕልፍ፡ ኣብ ጥዕና ዝፈጥሮ ጸገም ተረዲኦም ክኣልይዎ ብምትሕስሳብ፡ ነዚ ዘይትግበሩ ወነንቲ ትካላት ዝኸበደ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ሓላፍነት ዝጐደሎም ሓደ-ሓደ ወነንቲ ትካላት፡ ንገንዘብ ክብሉ ኣብ ጥዕና ሰባት ከይተገደሱ – መዓልቱ ዘሕለፈን ዝተበከለን ሃለኽቲ ነገራት ካብ ምሻጥ ድሕር ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ዓዳጋይ ዝወድቀሉ ዕለት ብግቡእ ርእዩ ክገዝእ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

Categories