ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ንጥፈታት ምርባሕ ደርሁ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃም፡ ኣብ’ቲ ዞባ ካብ መወዳእታ ወርሒ 2020 ጀሚሩ ንሰለስተ ዙርያ ብዝተኻየደ ጨቓዊት ናይ ምዕዳል መደብ – ኣስታት 25,000 ሓደ ወርሒ ዝዕድሚኤን ጨቓዊት፡ ንልዕሊ 1100 ተጠቀምቲ ከምእተዓደላ ገሊጹ።

እተን ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ዞባታት ዝተዓደላ ጨቓዊት፡ ኣብ ደረጃ ምፍራይ እንቋቚሖን ስጋን በጺሐን ምህላወንን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዋን ወሲኹ ኣረዲኡ።

ሓረስቶት፡ መግቢ ደርሆ ኣብ ናይ ዛሕሊ እዋን ክኽዝኑን፡ ቀጠልያ መግቢ ኣብ ከባቢኦም ብምዝራእ ከዳልዉን እውን ተላብዩ።

ተጠቀምቲ ናይ’ዚ መደብ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ‘ወዚፍ’ ዝተባህሉ ንኣሽቱ ዓሳታት፡ ኣብ መግቢ ደርሁ ኣገዳሲ ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

Categories