ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ትግባረ ኮም ዝሰረቱ ከባብያዊ ጽሬትን ምውጋድ ጐዳእቲ ልምድታትን – ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት፡ ሓለፍቲ ሃገራውያን ማሕበራትን ወከልቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባታትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ብ6ን 7ን ግንቦት ኣብ ኣዳራሽ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ ዝተኻየድ ዓውደ-ዘተ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን ኣብ ዘስምዓቶ ናይ መኽፈቲ ቃል፡ ጽሬት ከባቢ ንምውሓስ – ‘ኣብ ግዳም ቀልቀል ካብ ምውጻእ ናጻ ዝኾነ ከባቢ ንምርግጋጽ’ ይስረሓሉ ከምዘሎ ጠቒሳ፡ ካብ 2009 ኣትሒዙ ምስ ዓለማዊ መደባት ብምውህሃድ፡ ብዝተወደበ ኣገባብ ኣብ ኩለን ዞባታት ክትግበር ምጽንሑ ገሊጻ።

ንግብራውነት ናይ’ቲ ኣብ 2018 ብደረጃ ሃገር ዝወጸ ኣዋጅ ከባቢያዊ ጽሬት ክስራሕሉ ከምዝጸንሐን ከምዘዘሎን ዝገለጸት ሚኒስተር ኣሚና፡ ከም ውጽኢቱ ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል ሃገርና 60 ሚእታዊት መደብ ምስራሕ ዓይኒምድሪ ከምእተሳለጠ ሓቢራ።

ጐድኒ-ጐድኒ ከባቢያዊ ጽሬት፡ ጐዳእቲ ልምድታትን ሳዕቤናቱን ንምውጋድ ተታሒዙ ኣብ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ንምርግጋጹ፡ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ እውን ኣረዲኣ።

ወኪል ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሰፍ) ኣብ ኤርትራ ሚስ ሻሂን ኒሎፈር፡ ብዛዕባ ኣገዳስነትን ተጠቃምነትን ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ጥዕና መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ እቲ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኣተተባባዒ ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ ሓቢራ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ገስጋስ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት ኣብ ሽዱሽተኡ ዞባታት፡ መሰላት ኣደን ህጻንን፡ ከምኡ’ውን፡ ምውጋድ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝኣመሰሉ ጐዳእቲ ልምድታት – ብወከልቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዞባታት ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡን ርእይቶታት ቀሪቡን።

Categories