ትማሊ 16 ሚያዝያ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 5 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

ንሳቶም፡ 4 ኣብ ኣስመራ፡ ሓደ ድማ ኣብ ዓዲ-ዃላ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 8 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 3491 በጺሑ’ሎ። 3288 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 10 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 193 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ’ዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና

16 ሚያዝያ 2021

Categories