ሆስፒታል ናቕፋ፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ጥዕና ኣዴታትን ህጻናትን ድማ ብፍላይ ልዑል ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።

ሓላፊ ሆስፒታል ናቕፋ ኣቶ ምሕረትኣብ ኣስገዶም፡ ክትትል ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ኣገልግሎት ሕርሲ፡ ስሩዕ ኣገልግሎት ክታበትን ክትትል ጥዕና ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናትን ቈልዑን፡ ፍወሳ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ሞያዊ ምኽሪን ኣስተምህሮታትን ዘጠቓልል ኣገልግሎታት ከምዝወሃብ፡ ተወሳኺ ኣገልግሎታት ንምትእትታው እውን መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሆስፒታል ክኢላ መወልዳን ነርስ ዓብዱራሕማን መሓመድ-ሳልሕ ብወገኑ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብራ ነብሰ-ጾራት ዘድሊ ክትትል እናተገብረለን ኣብ’ቲ ሆስፒታል ንኽገላገላ ዝተዳለወ መጸበዪ ክፍሊ፡ ኣብ ምዕባይ ቁጽሪ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሓርሳ ነብሰ-ጾራት እናበዝሐ ከምዝመጸ ሓቢሩ።

ከባብያዊ ጽሬት፡ ጥዕና ነበርቲ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ምውሓስ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ተረጋጊጹ ዘሎ ገስጋስ ክዕቀብ፡ ኩሉ ነባሪ ሱታፌኡ ከሐይል ተላብዩ።

ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ዝርከባ ሽዱሽተ ትካላት ጥዕና እውን፡ ዜጋታት ብቐረባ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ኣብ ሆስፒታል ናቕፋ ዝነበረ ጸቕጢ ኣብ ምፍዃስን ዝምስገን ተራ ይገብራ ከምዘለዋ ገሊጹ።

Categories