መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሓደገኛነት ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ከቢድ ሳዕቤናቱን ብምግንዛብ፡ እዋናውያን መምርሒታትን ቅጥዕታትን ብብእዋኑ ከውጽእን፡ ከተግብርን ጸኒሑ ኣሎ። እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይራስ ብሰላሕታ ናብ ኩለን ዞባታት ሃገርና – እንተላይ ገለ ገጠራት – ክልሕምን፡ ዝዀነ ናይ ጒዕዞ ታሪኽ ንዘይብሎም ዜጋታት ክለክፍን ጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ተርእዮ’ዚ ኣዝዩ ኣሻቓልን ሓደገኛን እዩ። ብውሑድ ቊጽሪ ጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ለበዳ ኮሮና ቫይራስ፡ ንናይ ምስፍሕፋሕ ባህሪኡ ዝቖጺ፡ ቅጽበታውን ኣድማዕን ናይ ምቊጽጻር ስጒምቲ እንተዘይተወሲዱሉ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ናብ መልከፍቲ ኣሽሓት ሰባት ስለዝዓርግ። ከም’ዚ ስለዝዀነ፡ ምስፍሕፋሕ ቀለቤት ናይ’ቲ ለበዳ ብቕጽበት ንምብታኽን፡ ድሕነት ዜጋታትን ሃገርን ንምውሓስን፡ ዕቱብን ተሪርን ስጒምቲ ምውሳድ፡ ኣማራጺ የብሉን።

በዚ መሰረት፡ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይራስ፡ እዚ ዝስዕብ ሓድሽ መምርሒ የውጽእ ኣሎ፦

1. ምንቅስቓስ ዜጋታት፡ ብዘይካ’ቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉን ብዝምልከቶ ኣካል ዝተፈቕዱን ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን፡ ድሕነታውን ንጥፈታት፡ ኣብ መላእ ሃገር ድሩት ይኸውን።

2. ኣብ መላእ ሃገር – ካብ ሓደ ዓዲ/ ከተማ ናብ ካልእ ዓዲ/ከተማ – ምንቅስቓስ ሰባት ክልኩል’ዩ።

3. ምንቅስቓስ ናይ ውልቂ (ናእሽቱ) መካይንን ካልኦት ናይ ሰብ መጎዓዓዚ ተሽከርከርትን፡ ብዘይካ ብፍሉይ ፍቓድ ደው ይብል። ናይ ጽዕነት መካይን ግን፡ ንጽዕነት ጥራይ፡ ስርሐን ክቕጽላ እየን።

4. ብዘይካ ምስ መዓልታዊ መነባባሮ ህዝቢ እተኣሳሰረ፡ ኩሉ ንግዳዊ ትካላት ተዓጽዩ ክጸንሕ’ዩ። እዞም ትካላት እዚኣቶም’ውን፡ ክሳብ ሰዓት 8፡00 ምሸት ጥራይ ኣገልግሎት ይህቡ።

5. ቀንዲ ኣፍረይትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት (ከም ትካላት ምስናዕ፡ ሕርሻ፡ ሕርሻዊ ምምስራሕ፡ ህንጻ፡ . . . ወዘተ) ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም።

6. ኣብ ገጠር ኣብ ማሕረስን ምርባሕ ጥሪትን ካልእ ኣገዳሲ ልምዓታዊ ስራሕን ዝተዋፈሩ ዜጋታት፡ ስርሖም ክቕጽሉ’ዮም።

7. ኩሉ ትካላት መንግስቲ፡ ካብ ኣገዳሲን ክውንዘፍ ዘይክእልን ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን መደባት ወጻኢ፡ ዝውቱር ስርሑን ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎታትን ደው ከብል’ዩ።

8. ግድነታዊ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት (ከም ቀብሪ፡ ሓዘን. . .) ብኣዝዩ ውሑድ ቊጽሪ – ካብ

9. ኣብ ኩሉ ዝፍቀድ ስራሕን ምንቅስቓስን፡ እቲ ዝግባእ ምፍንታት፡ ጽሬት፡ ምምካን መሳሪሒታት፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ካልእ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝሕበሩ ቅጥዕታትን ምትግባር ግዴታ ስለዝዀነ፡ ዝምልከቶም ትካላት፡ ሰራሕተኛታትን ተገልገልትን ብጥብቂ ክኽተልዎ ይግባእ።

10. ምሉእነት ትግባረ ናይ’ዚ መምርሒ’ዚ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋን ስድራ-ቤትን ዝገብርዎ ነብሰ-ግትኣት፡ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን በብከባቢኡ ዝቘማ ናይ ነበርቲ ኮሚተታት ጥቡቕ ምክትታል ክገብሩ’ዮም። ነዚ መምርሒ’ዚ ዝጥሕሱ ዜጋታት ድማ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም እዩ።

11. እዚ መመርሒ’ዚ ካብ ሰሉስ፡ ዕለት 22 ታሕሳስ ሰዓት 6፡00 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ይትግበር። ብመንጽር ኩነታትን ስግኣትን ለብዳ ኮሮና ቫይራስ በብእዋኑ ብደቂቕ እናተገምገመ ድማ፡ ዘድሊ ምምሕያሻት ክግበረሉ እዩ።

ዓወትንሓፋሽ!

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም

ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ

20 ታሕሳስ 2020

Categories