ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንመኸተ ‘ኮሮና ቫይረስ’ን ወራር ኣንበጣን ዝጀመርዎ ወፈያታት ይቕጽል ከምዘሎ፡ ካብ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ዴንማርክን ፊንላንድን ዝቕመጡ ዜጋታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንመኸተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ 8 ሚልዮንን 600 ሽሕን ክሮነር ወፍዮም።

ብዘይካ’ዚ፡ ንመኸተ ወራር ኣንበጣ ብዝተጀመረ ወፈያታት፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሽወደን 283 ሽሕ ክሮነር ገንዘባዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ከለዉ፡ ነበርቲ ኖርወይ’ውን ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱ መደብ ሒዞም ከምዘለዉ፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንዲናቭያ፡ ንምንባይ ስድራ ስዉኣት፡ ምስሳን ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን ምሕጋዝ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናትን ወፈያታት ክገብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።

 

Categories