ኣብ ጢዖ፡ ገማግም ባሕሪ ካብ ብከላ ንምክልኻል፡ ብደረጃ ኮም ዝተወደበ ስሩዕ ወፈራታት ጽሬት ይካየድ ኣሎ።

ብመሰረት ዝወጸ መደብ፡ ህዝቢ ሰሙናዊ ኣብ ከባቢኡ፣ ክልተ ሰሙናዊ ድማ ኣብ ዝተወሰነን ዝተመርጸን ከባቢ ሓባራዊ ወፈራ ጽሬት የካይድ ከምዘሎ ዝሓበረ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ጢዖ ኣቶ ዓሊ መሓመድ፡ ጽሬት ገማግም ባሕሪ ንምውሓስ ዝካየድ ንጥፈታት ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርአ ዘቤታዊ ጐሓፍ ንምግታእ ይስራሕ ከምዘሎ፡ ኣቶ ዓሊ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ነበርቲ ብወገኖም፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘካይድዎ ወፈራ ጽሬት ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ምእንቲ፡ ናይ ጐሓፍ መኪና ክትምደብን መጐሓፊ ኣጋንእ ክቕረብን ተላብዮም።

Categories