ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ብምግታእ ኣብ ሂወትን ንብረትን ዝወርድ ጉድኣት ንምንካይ፡ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ንቕሓቶም ብምብራኽ ሕጊ ትራፊክ ተኸቲሎም ክመላለሱ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ጸዊዑ።

ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ ብርሃነ ምስ ኤሪና ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ንቕሓት ምብራኽ እቲ መሰረታዊ ምዃኑ፣ ነቲ ብሰንኪ ሸለልትነት ዝስዕብ ሓደጋታት ንምንካይ ግና ሕግታት ትራፊክ ምኽባርን ዘድሊ ጥንቃቐታት ምግባርን ኣገዳስነቱ ልዑል ከምዝኾነ ገሊጹ።

ተሽከርከርቲ ዝብል ኣምር፡ ኣብ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ሰብን ንብረትን ዝውዕላ ሞተር ዘለወንን ዘይብለንን ከም ማካይን፡ ብሽክለታታት፡ ሞቶርብሽክለታታት፡ ዓረብያ-ፈረስን ሰረገላታትን ከምዘጠቓልል ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብፍላይ መራሕቲ ብሽክለታ ብዘርእይዎ ዘለዉ ሸለልትነት፡ ንሓደጋ ይቃልዑን ጠንቂ ሓደጋታት ይኾኑን ከምዘለዉ ኣነጺሩ።

“ብፈረስ ዝሰሓባ ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ግዜ ብርሃን እምበር ብጸልማት ክንቀሳቐሳ ፍቑድ ኣይኮነን” ዝበለ ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ፡ ወነንቲ ዓረብያ ፈረስ ዘርእይዎ ዘለዉ ነዚን ንዝተፈቕደሎም ንጥፈትን ዝጥሕስ ተግባራት፡ ብሕጊ ከምዘሕትት ተገንዚቦም ክቚጠቡ፣ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ’ውን ኣብ ግዜ ልምምድ ሕጊ ትራፊክ ከኽብሩ ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ ብርሃነ ኣብ መወዳእታ፡ ዘይምኽባር ሕጊ ሳዕቤኑ ሓደጋን ክሳራ ህይወትን ንብረትን ስለዝኾነ፡ መራሕቲ ተሽከረከርቲ ጥንቁቓት ክኾኑ፡ ከምኡ’ውን ንናይ ምስማዕ ዓቕሚ ዝንኪ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ከወግዱ ብምልባው፡ ምግታእ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንፖሊስ ትራፊክ ጥራይ ዝሕደግ ስለዘይኮነ፡ ኩለን ኣካላት መንግስቲ፡ ሕብረተሰብን ስድራ-ቤታትን ግደኦም ክገብሩ ጸዊዑ።

Categories