ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ሓረስቶት ኣብ ሰብሰርሖ ቀመማዊ ድዅዕን መድሃኒታት ጸረ-ባልዕን ምምርኳስ ንኸጉድሉ ክወስዶ ብዝጸንሐ ተበግሶታት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ‘ኮምፖስት’ ዘማእከለ ውሁድ ምሕደራ ተኽሊ ንምትብባዕ ይሰርሕ ኣሎ።

ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ሓረስቶትን ተመሃሮን ኣብ ከባቢኦም ብዝርከብ ተረፍ-ምህርቲ ሕርሻን ካልእ ባህርያዊ ነገራትን ተጠቒሞም ‘ኮምፖስት’ ንኸዳልዉ፣ ሕማማትን ባልዓትን ብእዋኑ ብምልላይ ድማ ሽግሮም ንኽፈትሑ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ኣትሒዙ ልዑል ኣድህቦ ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ላዕለዋይ ክኢላ ልምዓት ኣትክልቲ ኣብ’ቲ ዞባ ኣቶ ዮናስ ገብሩ ገሊጹ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዛጊት ብድምር ንኣስታት 193 ክኢላታት፡ ሓረስቶት፡ መምህራንን ተመሃሮን፡ “ፍልጠት ኣብ ግብሪ” ብዝብል ቴማ ስልጠናታት ‘ኮምፖስት’ ዘማእከለ ውሁድ ምሕደራ ተኽሊ ከም እተዋህበ፡ ውጽኢቱ ድማ ኣብ ባይታ ክርአ ጀሚሩ ከምዘሎ፡ ኣቶ ዮናስ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ን16 ዓድታት ዝተዋህበ ግብራዊ ስልጠና ተሳቲፎም ብግብሪ ክሰርሑሉ ካብ ዝጀመሩ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ‘ኮምፖስት’ ኣገዳስን ኩሉ ኣብ ሕርሻ ዝነጥፍ ሰብ ክደፍኣሉ ዝግባእን ምዃኑ’ዮም ዘረድኡ።

ኣብ’ዚ መደብ ውሁድ ምሕደራ ተኽሊ፡ እተን ዝበዝሓ ተሳተፍቲ ደቀንስትዮ ኰይነን፡ ብጉጅለታት ተጠርኒፈን ‘ኮምፖስት’ ብምድላው፡ ነፍሲ-ወከፍ ጉጅለ ኣርባዕተ ተኽሊ ፍረታት ሜለ፡ ኩኽ፡ ኣቮካዶ፡ ጌሶን ዘይቱንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ እግሪ ናይዞም ፍረታት ምቁር ድንሽ ብምትካል፡ ልምዓት ይካየድ ከምዘሎ፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

Categories