ኣብ ገማግም ዲጋ ምስላም (ገርገራ) ጀራዲን ዘልምዑ ዘለዉ ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ብዝረኸብዎ ጸጋታት ማይ ንጥፈታቶም ብምስፋሕ ምህርቶም ንምዕባይ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ተቐማጢ ዓዲ-ራእሲ ሓረስታይ መሓሪ ወልደኣብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዲጋ ምስላም ምስ ተሃንጸት ትሕዝቶ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ብምህብታሙ፡ መሬቶም ብግቡእ ከልምዕዎ ከምእተተባብዑ ኣብሪሁ።

“ኣብ ከባቢና ዓቢ ዲጋ ምህናጹ፡ ነዚ ከባቢ ዓቢ ረብሓ’ዩ” ዝበለ ሓረስታይ መሓሪ፡ ውሕስነት ማይ ብምርግጋጹ፡ ብዙሓት ሓረስቶት ጀራዲን ናይ ምልማዕ ተበግሶታት ወሲዶም ክነጥፉ ከምዝጀመሩ፡ ብኡ መጠን ከኣ ናይ ስራሕ ዕድላት ተፈጢሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብውልቁ ኣብ ዓመት ካብ 2 ክሳብ 3 ግዜ ምህርቲ ክሓፍስ ጀሚሩ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ፍርያቱ ካብ ዕዳጋ ከተማ ድባርዋ ሓሊፉ ክሳብ ዕዳጋታት ኣስመራ ብምልኣኽ ዝያዳ ተረባሒ ክኸውን ይጽዕር ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓረስታይ መሓሪ ብዘይካ’ዚ፡ ጎኒጎኒ ልምዓት ጀራዲን፡ ኣብ ምርባሕ ከብትን ደርሁን ዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት’ውን ጽቡቕ ውጽኢት ይረኽበሉ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ብተረፍ ምህርቲ ድማ ቀለብ ጥሪቱ የውሕስ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሕጽረት ምሩጽ ኣዝርእትን ጸረባልዕ መድሃኒትን ካብ’ቶም ቀንዲ ብድሆታቶም ምዃኖም ብምሕባር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ጸገማቶም ኣለልዩ ፍታሕ ክገብረሎም ተማሕጺኑ።

Categories