ኣብ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ፡ ንህጻናት ዝወሃብ ኣገልግሎት ክታበት ሰፊሕ ሸፈነ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ መደባት ክታበት ኣቶ ሑመድ እድሪስ ሓቢሩ።

ንኤሪና ኣብ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ሑመድ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ – ኣገልግሎት ክታበት ኣብ መደበራት ጥዕና፡ ከምኡ’ውን ናብ ርሑቕ ከባቢታት ብምንቅስቓስ ከም ዝወሃብ ብምጥቃስ፡ ብስሩዕ ክወሃብ ስለዝተኻእለን ቈልዑ ኣብ ግቡእ ግዜኦም ክኽተቡ ስለዝጀመሩን፡ ሸፈነ ክታበት 98 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ኣፍሊጡ።

ብደረጃ ዞባ ኣብ ኣገዳስነት ክታበት ተፈጢሩ ዘሎ ንቕሓት ልዑል ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ኣብ ሸፈነ ኣገልግሎት ክታበት ዝተመዝገበ ዓቢ ለውጢ መርኣያ ናቱ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።

ኣቶ ሑመድ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከባ 15 መደበራት ጥዕና፡ ንክታበት ዘገልግል መሳርሒታት ንሰለስተ ኣዋርሕ ክዕቅባ ዘኽእለን መዝሓሊ ፍርጃት ክዓጥቃ ምኽኣለን፡ ኣብ ዕብየት ሸፈነ ክታበት ኣበርክቶ ከም ዝነበሮ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ኣቶ ሃብተኣብ ገብረኣብ ብወገኑ፡ ሞያውያን ሕክምና ካብ ትካል ጥዕና ኣብ ዝረሓቐን ማኪና ኣብ ዘይትኣትዎን ቁሸታት ንዝርከቡ ህጻናት ብእግሮም ተጓዒዞም ንዝህብዎ ኣገልግሎት ሞጒሱ።

Categories