ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ንደበስ ስድራ ስዉኣት፡ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት፡ ከምኡ’ውን ንዘኽታማት፡ ስንኩላንን ኣረጋውያንን ዝኣልያ ስድራቤታት ንምጥያስ ኣስታት 17.6 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ገይሩ።

ወኪል ጨንፈር’ቲ ሚኒስትሪ ኣቶ እስማዒል ዑስማን ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ወጻኢታት ኣብ ምኽፋል ደበስ ስድራ ስዉኣትን ደገፍ ተኣለይቲ ናይ ኲናት ስንኩላንን ከም ዝወዓለ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባታት ፎሮ፡ ኣፍዓበት፡ ባጽዕ፡ ገልዓሎ፡ ናቕፋ፡ ሽዕብ፡ ኣዶብሓን ዳህላክን ዝተሳለጠ ዘኽታማት፡ ኣረጋውያንን ስንኩላንን ንዝኣልያ 147 ስድራቤታት ናይ ምጥያስ መደብ ዕዉት ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ እስማዒል፡ እተን ብጥሪት፡ መጽዓኛን ሞቶር-ኣልቦ ጃላቡን ዝተጣየሳ ስድራቤታት፡ ኣቐዲመን ብምምሕዳራት ከባቢን ኣብተን ንኡስ ዞባታት ዝነጥፋ ኮሚተታትን ዝተለለያ ምዃነን ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ሕጂ እቲ ናይ ምጥያስ መደባት ምስ’ቲ እተን ስድራ ቤታት ዝነብራሉ ከባቢ ብዝሳነ መዳይ ብጥሪትን መጽዓኛን ጥራይ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዳህላክ ግና እቲ ኩነታት ፍልይ ዝበለ ስለዝኾነ፡ ሞቶር-ኣልቦ ጀላቡ ከም እተመርጸ እውን ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ እስማዒል፡ እዚ ብምንጪ ኣታዊታት ርእስኻ ናይ ምኽኣል መደብ፡ ተጠቀምቲ ዓቲቦም ብምስራሕ ጸገማቶም ከቃልሉን ካብ ተጸባይነት ክድሕኑን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳራትን ሕብረተሰብን ነዞም ጥዩሳት ኣብ ምክትታልን ምትብባዕን እጃሞም ከበርክቱ ተላብዩ።

Categories