ኣብ ኤርትራ፡ መጠን መልከፍቲ ሕማም ቲቢ ኣብዚ 10 ዓመታት ብርኡይ እናንቈልቈለ ከምዝመጸ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊት ሃገራዊ መደብ ምቁጽጻር ሕማም ቲቢ ሲስተር ሂወት ንጉሰ ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት ሓቢራ።

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሕማም ‘ዓባይ ሰዓል’ ዝፍለጥ ሕማም ቲቢ፡ 80 ሚእታዊት ንሳንቡእ 20 ሚእታዊት ድማ ንካልእ ኣካላት ከምዘጥቅዕ ዝገለጸት ሲስተር ሂወት፡ ብምህንጣስን ኣብ እዋን ዘረባ ካብ ኣፍ ብዝወጽእ ነጠብጣባትን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ብምብራህ፡ ሓደ ሕሙም እንተዘይተፈዊሱ ካብ 10 ክሳብ 15 ጥዑያት ሰባት ክልክም ስለዝኽእል፡ ቀጻሊ ሰዓል ዝተራእዮ ሰብ ቀልጢፉ ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ክኸይድ መኺራ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ካብ 2030 ክሳብ 2035 ቲቢ ካብ ዓለም ንምጥፋእ ብዝሓንጸጾ መሰረት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ነዚ ሸቶ’ዚ ንምስማር፡ “ሕሙም ናብ ሕክምና እንተዘይመጺኡ፡ ኣብ ገዝኡ ርኸቦ” ዝብል ስትራተጂ ሓንጺጹ፡ ናብ ነፍሲ-ወከፍ ዓዲ ወሪዶም ኩነታት’ቲ ሕማም ዝከታተሉ ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ብምውፋር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሓበረት ሲስተር ሂወት፡ እቶም ወከልቲ ጥዕና ዓዲ፡ ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ኣትዮም ምልክታት ናይ’ዚ ሕማም ንዘርኣየ ጥርጡር ናብ ሕክምና ከምዘምጽኡ፡ በዚ መገዲ’ዚ ዝርከቡ 13 ሚእታዊት ሕሙማት ኣድላዪ ፍወሳ ከምዝግበረሎም ኣረዲኣ።

ኣቐዲሙ ብዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ’ዚ ሕማም 95 ሚእታዊት በጺሑ ምህላዉ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ መጠን ምቁራጽ መድሃኒት ትሕቲ 1 ሚእታዊት ምዃኑ ዝጠቐሰት ሲስተር ሂወት ንጉሰ፡ ቲቢ ዝግባእ ምክትታልን ፍወሳን እንተተገይሩሉ ዝሓዊ ሕማም ምዃኑ፣ ምቁራጽ መድሃኒት እንተሎ ግና እቲ ንቲቢ ዘቃልዕ ታህዋስ ተጻዋርነት ስለዘጥሪ መስርሕ ፍወሳ ከምዝኸብድ ገሊጻ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ መጠን ሕውየት ሕማም ቲቢ 75 ሚእታዊት ክኸውን ከምዝግባእ ከምዝሕብር፡ ኤርትራ ግና ሳላ ተሳትፎ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብን ወከልቲ ጥዕና ዓድን ልዕሊኡ ብምኻድ 85 ሚእታዊት በጺሓ ምህላዋ ኣገንዚባ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊት ሃገራዊ መደብ ምቁጽጻር ሕማም ቲቢ ሲስተር ሂወት ንጉሰ ኣብ መወዳእታ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ነቶም ተጻዋርነት ዘጥረዩ ሕሙማት ቲቢ ንምእላይ ኣብ 2011 ኣብ መርሓኖ ሆስፒታል ኣዋዲዱ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ’ቲ ሆስፒታል ኣስታት 254 ሕሙማት ንኣስታት 2 ዓመት ኩሉ ወጻኢታቶም ብመንግስቲ እናተሸፈነ ይሕከሙ ከምዘለዉ ገሊጻ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ዕለታዊ 5 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ሕማም ‘ቲቢ’ ከምዝሞቱ፡ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የነጽር።

Categories