ኣባላት በዓል-ስልጣን ምቁጽጻር ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ምስ ህዝቢ ተሓባቢሮም ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ ውጽኢታዊ ስራሕ የሰላስሉ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ጐኒ-ጐኒ’ቲ ንቕሓት ሕብረተሰብ ብምብራኽ ተሳትፎኡ ንምዕዛዝ ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ሃብቲ ገረብ ብሓፈሻ ጥንታውን ታሪኻውን ኣግራብ ድማ ብፍላይ ንምዕቃብ ጽዑቕ ሓለዋን ኰለላታትን ብምክያድ፡ ንዘብርሱ ኣብ ሕጊ የቕርቡ ምህላዎም ሓቢሮም።

ሓላፊ በዓል-ስልጣን ምቁጽጻር ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ተኽላይ ፍስሃየ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ነፍሲወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓለዋ ኣግራብ ብምምዳብ ኣድማዒ ስራሕ ትዓምም ከምዘላ፡ ንዝያዳ ውጽኢት ድማ ምስ ነበርትን ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊትን ተወሃሂድካ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ።

ኣቶ ተኽላይ ኣብ መወዳእታ፡ ብዝካየድ ጽዑቕ ጎስጓሳትን ክትትልን፡ ኣብ ከባቢታት እግሪ ገዳም ጻዕዳ-እምባ፡ ሺተል፡ ኣሸራ፡ በጉ፡ ግላስ፡ እንጭናቅን ኢዳምርን፡ ሃብቲ ገረብ ሳላ ዝግበረሉ ዘሎ ሓለዋ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ፣ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ኣወንጀሊ፡ ዓድ-ፋካይ፡ ባዶብን ከባቢታት ዓዲ-ንሱርን ግን ሓሓሊፉ ዝርአ ብርሰት መግትኢ ንኽግበረሉ፡ ኩሎም ወገናት በብሸነኾም ግደኦም ክገብሩ ጸዊዑ።

Categories