ብቐዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጠባዊ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ2 ታሕሳስ ኣብ መበል 21 ፍሉይ ዋዕላ ፈጻሚ ቤትምኽሪ ሚኒስተራት፡ ከምኡ’ውን ብ5ን 6ን ታሕሳስ ኣብ ክልተ ፍሉያት ዋዕላታት ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ብማንዛ ዝተኻየደ መበል 21 ፍሉይ ዋዕላ ፈጻሚ ቤትምኽሪ ሚኒስተራት፡ ናብ ፍሉያት ዋዕላታት ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐርቡ ንድፊ ሰነዳት ንምጽፋፍ’ዩ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ብ5 ታሕሳስ ዝተኻየደ መበል 13 ፍሉይ ዋዕላ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንነጻ ዞባዊ ዕዳጋ ኣፍሪቃ (AfCFTA) ዝምልከት ውሳነን ድንጋገ ጆሃንስ-በርግን ብምጽዳቕ፡ ንገስጋስ መስርሕ ትግባረ ናይ’ቲ ነጻ ዞባዊ ዕዳጋ ዝምልከት ጸብጻብ ተመልኪቱ።

ክሳብ ሕጂ ብ34 ሃገራት ከምዝጸደቐ ብምሕባር ከኣ፡ ካብ 1 ጥሪ 2021 ግብራዊ ንግዳዊ ንጥፈት ዞባ ነጻ ዕዳጋ ኣፍሪቃ ክጅመር ተወሲኑ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ብ6 ታሕሳስ 2020 ዝተኻየደ መበል 14 ፍሉይ ዋዕላ ባይቶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መስርሕ ትግባረ “ምብቃዕ ተጻብኦታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ” (Silencing the Guns in Africa) ዝብል ቴማ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተኰረ’ዩ።

በዚ መሰረት፡ ንገስጋስ መስርሕ ትግባረ ምብቃዕ ተጻብኦታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝምልከት ጸብጻብ ድሕሪ ምምልካት፡ ንመስርሕ ትግባረ ምብቃዕ ተጻብኦታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝምልከት ውሳነን ድንጋገ ጆሃንስ-በርግን ኣጽዲቑ’ሎ።

ኣብ’ቲ ውሳነን ድንጋገን፡ ሸቶ ምብቃዕ ተጻብኦታት ኣብ ኣፍሪቃ ክረጋገጽ፡ ጠንቅታት ግጭታት ብኣግኡ ፍታሕ ክረኽቡ፣ ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዘጋጥሙ ግጭታት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍትሑ፣ ጸጋታትን ዕድላትን ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብማዕረ ክመቓርሑ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ክዕገት፣ ናይ ደገ ምትእትታው ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ደው ክብል ኣድላዪ ከምዝኾነ፣ እዚ ውጥናት’ዚ ብደረጃ ሃገር፡ ዞባታትን ኣህጉርን ብዕቱብ ክስራሓሉ ከምዘድሊ ሰፊሩ ይርከብ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ 2017 ዝጸደቐን ኣብ 2020 ክውዳእ ዝነበሮን ንምብቃዕ ተጻብኦታት ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝግበር ጻዕሪ ዝምልከት መርሓ-ጎደና ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንተወሳኺ 10 ዓመታት (2021-2030) ክናዋሕ ተወሲኑ ኣሎ።

Categories