ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዝካየድ ስሩዕ ብዙሐ-መዳያዊ ምምኽኻር፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝተኻየደ ዘተን፡ ኣብ ህሉው ምዕባለታት ኢትዮጵያን ጽልዋኡ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ዘተኰረ’ዩ።

ክልተኦም ወገናት ኣብ መወዳእታ፡ ምትሕግጋዝ ኤርትራን ሱዳንን ንምድንፋዕን ዞባዊ ሽርክነት ንምምዕባልን ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

Categories