ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ትማሊ 4 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 38 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍንው ካብ ሱዳን ዝተመልሱን ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ተዓቚቦም ዝጸንሑን 35 ዜጋታት፣ ካብ ኢትዮጵያ ብፍንው ዝተመልሰን ኣብ መወሸቢ ማእከል ጊብዶ – ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዓቚቡ ዝጸንሐን ሓደ፡ ከምኡ’ውን 2 ካብ ኣስመራ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባታት ጋሽባርካን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 10 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 632 በጺሑ’ሎ። 508 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 124 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

4 ታሕሳስ 2020

Categories