ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ዝርከባ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ሕርሻታት ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ለሚዑ ዝኸረመ ኣእካል ብወፈራ ይጐንኣ ኣለዋ።

ኣብ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን – ሓላፊ ሕርሻታት ደቡባዊ ምዕራብ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሎምዘበን ኣብ ገርሰት፡ ከታይን ዓሊግድርን ኣስታት 7 ሽሕ ሄክታር መሸላ፡ ስምስምን ብልቱግን ከም እተዘርአ፣ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ድማ መብዛሕትኡ ጽቡቕ ከም ዝፈረየ ብምግላጽ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ገርሰት ዝርከብ ዝኣኸለ ኣእካል ብውሁድ ተሳትፎ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ይእከብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ነበርቲ ንኡስ ዞባታት ተሰነይ፡ ጎልጅን ሃይኮታን፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዘጠቓልል፡ መዓልታዊ ልዕሊ 2,300 ዓቕሚ-ሰብ ኣብ’ቲ ስራሕ ይሳተፍ ከም ዘሎ፣ ወፋሮ ብዘርእይዎ ዘለዉ ተወፋይነት ድማ እቲ ማእቶታዊ ዕዮ ጽቡቕ ይሳለጥ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ነቲ ስራሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምዕማም ብውህደት ይሰርሑ ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ጽቡቕ ምህርቲ ክሕፈስ ትጽቢት ከም ዘለዎም ሓቢሮም።

ድሕሪ’ዚ ኣብ ሕርሻታት ገርሰት ዝካየድ ዘሎ ወፈራታት ዓጺድ ምዝዛሙ፡ ኣብ ከታይ ብሰፊሑ ለሚዑ ዘሎ ኣእካል’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝጕናእ፡ ሓላፊ ሕርሻታት ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ሓይለዝጊ ሃብተ ኣብሪሁ።

ንኣበርክቶ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተሰርሓ ዲጋታት ገርሰት፡ ፋንኮ-ራዊን ፋንኮጽሙእን ብዝምልከት ድማ ኣቶ ሓይለዝጊ፡ ሓረስቶት’ቲ ከባቢ ምስ ዘመናዊ-መስኖኣዊ ሕርሻ ዝላለዩሉ ባይታ ከምዝረኸቡ ብምጥቃስ፡ ብዝቐስምዎ ዘለዉ ተመኲሮ ከባቢኦም ንምልማዕን መነባብሮኦም ንምልዋጥን ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣነጺሮም።

Categories