ማእከል ጥዕና ጎልጅ እትህቦ ኣገልግሎት ንምምዕባልን ንምስፋሕን፡ ቀዳምነት ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓላፊ’ታ ማእከል ጥዕና ነርስ ተኽለ ዘወንጌል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምቁጽጻር ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ምክትታል ነብሰ-ጾራት፡ ስሩዕ ክታበት ህጻናት፡ ወለንታዊ መርመራን ካልእን ኣገልግሎታት ከምዝወሃብ ብምጥቃስ፡ ነዚ ንምስፋሕ ዝትግበር መደባት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ደረጃ’ታ ማእከል ጥዕና ንምዕባይ በብመድረኹ ዝትግበሩ መደባት ከሰላስል ምጽንሑ፡ ብፍላይ ኣብ ብቕዓት ሰብ ሞያ ጥዕና ብዝተወስደ ተበግሶ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ክኢላዊ ዓቕሚ ናብ ደረጃ ኮማዊ ሆስፒታል ዘበርኽ ብቕዓት ተደሊቡ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ መዳይ መሳርሒታት እውን ተመሳሳሊ ለውጢ ንምምጻእ እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ኣብሪሁ።

እታ ማእከል ጥዕና ዝተማልአ ኣገልግሎት ኣብ እትህበሉ ደረጃ ክትበጽሕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ተራ ህዝብን መሻርኽትን ክዓዝዝ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ኣብ ኦምሓጀርን ጎልጅን ክልተ ማእከላት ጥዕና፡ ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ድማ ሸውዓተ መደበራት ጥዕና ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ፡ ሰነዳት ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ የመልክቱ።

Categories