ኣብ ምግታእ ለበዳ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓቢ ውጽኢት፡ ንዝበረኸ ዓወት ዝድርኽ ምዃኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊት ኣሃዱ ምቁጽጻር ሕማም ኤይድስን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሲስተር ንግስቲ ተስፋሚካኤል፡ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ኤይድስ ምስ ኤሪና ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት ገሊጻ።

መ ል ከ ፍ ቲ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ 2003 ናብ ኣስታት 4.3 ሚእታዊት ደዪቡ ምንባሩ ዝጠቐሰት ሲስተር ንግስቲ፡ ብዝተኻየደ ውሁድ ናይ ምክልኻል ንጥፈታት እናንቈልቈለ ብምምጻእ፡ ካብ 2016 ናብ ትሕቲ 1 ሚእታዊት ከም ዝወረደ፣ ኣብ 2019 ብዝተገብረ መጽናዕቲ ድማ ናብ 0.37 ሚእታዊት ከም ዘንቈልቈለ ኣብሪሃ።

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካብ 2011 ጀሚሩ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ናብ ባዶ ንምውራድ ኣብ ምብራኽ ንቕሓትን ኣገባባት ምክልኻልን ኣተኲሩ ክሰርሕ ምጽንሑ፡ በዚ መሰረት ከኣ ኣፍልጦን ኣረኣእያን ሕብረተሰብ ልዕሊ 87 ሚእታዊት ከም ዝበጽሐ ብምጥቃስ፡ ዓመታዊ ብወለንትኦም መርመራ ናይ ዝገብሩ መንእሰያት ቊጽሪ ልዕሊ 90 ሽሕ ምብጽሑ፡ ናይዚ መርኣያ ከም ዝኾነ ኣብሪሃ።

“ጸረ ኤች.ኣይ.ቪ መድሃኒት፡ ዓቕሚ ናይ’ቲ ቫይረስ ኣብ ደም ስለ ዘጉድል፡ እቲ ቫይረስ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሙ ብ96 ሚእታዊት ይንኪ’ዩ’’ ዝበለት ሲስተር ንግስቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዝበዝሕ መልከፍቲ ዘጋጥሞም ኣካላት ሕብረተሰብ ብመጽናዕቲ ተለልዮም ስለ ዘለዉ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ጀሚሩ፡ ካብ መልከፍቲ ኤች.ኣይ.ቪ ልዕሊ 92 ሚእታዊት ዝከላኸል መድሃኒት ብፍላይ ንፋይቶት ክወሃብ ዝወጸ መደብ ንምትግባር፡ ጎስጓስ ይካየድ ከም ዘሎ ሓቢራ።

ኣብ ኤርትራ ንግዳያት ኤች.ኣይ.ቪ/ ኤይድስ ዝወሃብ ናይ መናውሒ ዕድመ መድሃኒት ጸገም ከም ዘየለ፣ ምስ’ቲ ቫይረስ ዝነብሩ 8,900 ዜጋታት ከኣ መድሃኒት ብስሩዕ ከም ዝወስዱ ዝገለጸት ሲስተር ንግስቲ፡ ኩነታት ኮሮና ቫይረስ ኣብ ንጥፈታቶም ዝጥቀስ ጽልዋ ከምዘይገበረ ሓቢራ።

ሎሚ ዓመት – 1 ታሕሳስ ዓለማዊ መዓልቲ ኤይድስ፡ ‘ዓለማዊ ጥምረት፡ ሓባራዊ ሓላፍነት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ዓለም ንመበል 32፣ ኣብ ሃገርና ድማ ንመበል 29 ግዜኣ ትዝከር ኣላ።

Categories