ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ጥዕና ጥሪት ብምሕላው ዝህብኦ ምህርቲ ንምስሳን፡ ኣብ መላእ ሃገር ሰፊሕ መደብ ክታበት የካይድ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ኣስታት 1.5 ሚልዮን እንስሳታት ንምኽታብ ዝዓለመ መደብ፡ ሕማማት ፍሮማይ ከብቲ፡ ፍሮማይ ጤለ-በጊዕ፡ ሕማም ምቑላዕን ሕማም ዕቡድ ከልቢን ፍሉይ ኣተኩሮ ተዋሂብዎም ከምዘሎ፡ ጨንፈር ህዝባዊ ርክባት ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዳይረክተር ጨንፈር ጥዕና እንስሳን ብቚልን ዶክተር ዮናስ ወልዱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክታበት ኣብ ምውሓስ ጥዕና ጥሪት ዘለዎ ግደ ርዱእ ስለዝዀነ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዓመት-መጸ ዓቢ ኣድህቦ ሂቡ ከምዝሰርሓሉ ገሊጹ።

እቲ መደብ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ዛጊት ድማ ኣስታት 300 ሽሕ ጤለ-በጊዕን 100 ሽሕ ከብትን ከምእተኸትባ ዝጠቐሰ ዶ/ር ዮናስ፡ ብቐጻሊ ሕማማት ዝርኣየሉ ቦታታት ተለልዩ፡ ፍሉይ ቈላሕታ ተዋሂብዎ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ዶክተር ዮናስ፡ ሓረስቶት ንኣገዳስነት ናይ’ዚ መደብ ተገንዚቦም፡ ጥሪቶም ናብ ዝቐረበ ነቚጣ ብምውሳድ ብግቡእ ከኽትቡን ምትሕብባሮም ከዕዝዙን ኣዘኻኺሩ።

Categories