ኣብ ዞባታት ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ትማሊ 23 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ካብዚኦም እቶም 3 ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱን ኣብ መወሸቢ ማእከል ጊብዶ (ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ተዓቚቦም ዝጸንሑን ዜጋታት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 4 ድማ – 3 ካብ ኣመሪካ፡ ሓንቲ ድማ ካብ ጀርመን ብነፋሪት ኣትዮም ኣብ ኣስመራ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 558 በጺሑ ኣሎ። 473 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 85 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

Categories