ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ስኩላንን ዘኽታማትን ንዝኣልያ 13 ጽጉማት ስድራቤታት ብጥሪት ኣጣዪሱ።

ብ21 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መደብ፡ እተን ስድራቤታት ነፍሲ-ወከፈን ብዋጋ 10 ሽሕ ናቕፋ ከምእተጣየሳ፡ ሓላፊት’ቲ ጨንፈሪ ወይዘሪት መድሃኒት ግርማይ ገሊጻ።

እተን ከከም ምርጫአን ብጤለ-በጊዕ፡ ኣብዑርን መጽዓኛን ዝተጣየሳ ስድራቤታት፡ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ እምባዃዃት፡ ዓዲ-ለጂ፡ ኣውህነ፡ ዓዲ-ኻንታ፡ መንደፈራን ሕረትን ምዃነን ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories