ኣብ ሽዕብ፡ ናይ ተጠቃምነት ዕለቱ ዝወደቐ ዓይነታት መግብን መድሃኒትን ክሸጣ ዝተረኽባ ትካላት ሕጋዊ ስጒምቲ ከምእተወስደለን ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተቓጸለ ሃለኽቲ፡ ጥሕንያ፡ ዓሲር፡ ሳልሳ፡ ዘይቲ፡ ማስቲካ፡ ብሽኮቲ፡ መድሃኒት ሰብን እንስሳታትን፡ ከምኡ’ውን ብሕጊ ዝተኸልከለ ፌስታል የጠቓልል።

ምምሕዳር ሽዕብ፡ ብዘይሓላፍነታውያን ወነንቲ ትካላት ንግዲ ዝርአ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምግታእ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ትካላት ናይ ምቊጽጻር ስራሕ ከምዘካይድ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ’ዚ ዓመት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ብዝተኻየደ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ ዝተታሕዘ ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ከምእተቓጸለን፡ ኣብ ልዕሊ ወነንቲ ናይተን ትካላት መቕጻዕቲ ከምእተበየነን ይዝከር።

Categories