ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን፡ ኣብ መዓስከር ደንደን ንዝርከቡ ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ብ19 ሕዳር ንዋታዊ ሓገዝ ኣበርኪተን።

እቲ ዝተበርከተ ሓገዝ፡ 3 ዓበይቲ ፍሪጃትን ዝተፈላለየ ካልእ ናውቲን የጠቓልል።

ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ሓላፊ ክፍሊ ውደባን ሓበሬታን ኣቶ መሓመድኑር እድሪስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን፡ በብእዋኑ ደገፍ ክገብራ ምጽንሐን ጠቒሱ፡ ብስም ማሕበር ምስጋና ኣቕሪቡ።

ኣብ’ቲ ናይ ምርኽኻብ ስነስርዓት፡ ነቶም ደገፍ ዝተገብረሎም ሓርበኛታት ንስንኩላን ወኪሉ ዝተረኽበ ኣቶ ጀማል ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ዝተበርከተ ሓገዝ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቶም ብምጥቃስ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ዜጋታት ንዝገብርዎ ምትሕግጋዝ ሞጒሱ።

Categories