ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ካይሮ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሰይድ ሳምሕ ሽኩሪ ተራኺቡ።

እዚ ናይ ትማሊ ርክብ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ሰብ-መዚ ኤርትራን ግብጽን ዝካየድ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ጉዳያትን ዘተኰረ ስሩዕ ናይ ምምኽኻር መደባት እዩ።

ኣብ’ቲ ዘተ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡ ብቐንዱ ንክልተኣዊ መዳያት ንግድን ወፍሪን ማእከል ዝገበሩ እዮም።

ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ፡ ኣብ ምዕባለታት ንሓጽቢ ሕዳሰ ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ ከምኡ’ውን ህሉው ምዕባለታት ኢትዮጵያ ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

Categories