ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ምዕሩይ ዝርግሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብዝተገብረ ጻዕሪ ተጨቢጡ ዘሎ ዓወት ዝምስገን ምዃኑ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ሙሳ ኣደም ገሊጹ።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መምህር ሙሳ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣዝየን ውሑዳትን ኣብ ውሱን ከባቢታት ዝተሓጽራን ኣብያተትምህርቲ ጥራይ ምንባረን ጠቒሱ፡ መንግስትን ህዝብን ብዘካየድዎ ሓያልን ውሁድን ጻዕሪ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 22 ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

“ሰብኽ ሳግማዊ መነባብሮ ህዝቢን ኣብ ትምህርቲ ዝጸንሐ ኣመለኻኽታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ገስጋስ ዓቢ’ዩ” ዝበለ መምህር ሙሳ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ዝነበረ ካብ ኣማኢት ዘይሓልፍ ቁጽሪ ተመሃሮ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕን 400 ከምዝበጽሐ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ መደባት ቅድመ-ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ምዕሩይ ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮን ምብራኽ ብቕዓት ተመሃሮን ብዝለዓለ ይስራሕ ከምዘሎ ዝጠቐሰ መምህር ሙሳ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት፡ ጉዳይ ሰበኽ-ሳግማዊ መነባብሮ ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ መምህር ሙሳ ኣደም ኣብ መወዳእታ፡ ዛጊት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ኣተባባዒ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ’ቲ ዝድለ ሸቶ ንምብጻሕ፡ ገና ሓያል ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

Categories