ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዓድ-ሹማን ደማስን፡ ንክራማት ባሕሪ ምድላዋት የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ሹማ፡ ህዝቢ ብጋንታትት ተወዲቡ ሰፊሕ ግራውቲ ዘስቲ መእለዪ ውሕጅን ተሰይሩ ዝነበረ ዓግማትን ኣብ ምጽጋን ተጸሚዶም ከምዘለዉ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ ኣድም፡ እቲ ወፈራዊ ዕዮ፡ ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፡ ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ከምኡ’ውን ምምድማድ ግራውትን ምፍዋስ ማይክዖታትን ከምዘጠቓልልን፡ ብሰፊሕ ኮማዊ ሱታፌ ይሰላሰል ከምዘሎን ገሊጹ።

ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ደማስ ብግደኦም፡ ናብ ዓዲ ዓንገረ ዝኣቱ 8 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ይጽግኑ ኣለዉ።

እቲ መስመር፡ ፋሕ ዝበላ ዓድታት ንምጥርናፍን መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምምላእን ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ደማስ ኣቶ ተልከ ሳልሕ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ምስ ኩባንያ ህንጻ ገደም ብምርድዳእ ንዝገብረሎም ዘሎ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ሞጒሱ።

Categories