ኣብ መላእ ሃገር በብከባቢኡ ዝተዋደዳ ትካላት ጥዕና፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝህባኦ ኣገልግሎት፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ንምብራኽ ዘካይዳኦ ጐስጓሳት፡ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ኣለዋ።

ብመሰረት ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና፡ እቲ ብሞያውያን ዝወሃብ፡ ኣብ ኣገዳስነት ክታበት፡ መሰረታዊ ክንክን ቅድምን ድሕርን ሕርሲ፡ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት፡ ምቁጽጻር ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት፡ ክትትል ኣደን ህጻንን፡ ኣገልግሎት ሕርሲ፡ ውሁድ ፍወሳ ህጻናት፡ ከምኡ’ውን ምክልኻል ለበዳዊ ሕማማት ዘተኰረ ኣስተምህሮታት፡ ውጽኢታውነቱ ምስ ግዜ እናጐልሐ ከምዝመጸ እዩ ዝግለጽ።

እዚ፡ ምስ’ቲ ክሳብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ቀረብ መድሃኒት፡ ናውቲ ሕክምና፡ ዓቕሚ-ሰብን ምምላእ ኣገልግሎታትን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ተደሚሩ፡ ብቕዓት ጥዕናዊ ኣገልግሎት ክብ ብምባል ጥዕና ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምውሓስ ዝምስገን ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ድማ፡ ክኢላታት ጥዕና ይሕብሩ።

ኣብ ኩሉ መዳያት ጥዕና ተመዝጊቦም ዘለዉ ጭቡጣት ዓወታት፡ ሳላ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝብን መሻርኽትን ምዃኖም ዝሕብር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዓቕሚሰቡ ብምሕያልን መሰረታዊ ናውቲ ሕክምናን መድሃኒትን ብምውዳድን ከካይዶ ብዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣዴታትን ህጻናትን፡ ከምኡ’ውን ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝምስገን ገስጋስ ተረጋጊጹ ከምዘሎን፡ ንዝበረኸ ውጽኢት ድማ ብዕቱብ ይስራሕ ምህላዉን’ዩ ዝገልጽ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነፍሰ-ጾራት ኣብ ትካላት ጥዕና ንኽሓርሳ ምትብባዕ ክግበር፡ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣደን ዕሸልን ልዑል ኣበርክቶ ስለዘለዎ ብዝለዓለ ክስራሓሉ፡ ምምልማል ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ድማ ክድፋኣሉ፡ ክኢላታት ጥዕና የዘኻኽሩ።

Categories