ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ዑደት ኣዝርእቲ ብምትእትታው ብጥሙር ኣገባብ ዝተዘርአ መሬት ጽቡቕ ፍርያት ከምዝሃበ፡ ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረብርሃን ሓቢሩ።

ጥሙር ማሕረስን ምቅይያር ኣዝርእትን ኣብ እቶታውነት ዘለዎ ረብሓ ብምግንዛብ፡ ሓረስቶት ኣብ ክራማት ሎም-ዘበን ንትግባረኡ ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ጽቡቕ ፍረ ከምእተረኽቦ እዩ ኣቶ ኣማኑኤል ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ንኡስ ዞባ እምኒሓይሊ ኣቶ መንግስ ጠዓመ ብወገኑ፡ ሓረስቶት’ቲ ንኡስ ዞባ ብተመኵሮን ፍልጠትን ዝተደለበ ብቕዓት ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ በብከባቢኡ ዝተዘርኡን ዝምስገን ፍረ ዝሃቡን ናይዚ መርኣያ ከምዝኾኑ ኣረዲኡ።

ኣቶ መንግስ ኣስዒቡ፡ ፍርያምነት ሓመድ ክብ ንምባል ኣብ ባህርያዊ ድዂዒ ተመርኲሶም ዘካይድዎ ንጥፈታት ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ሓረስቶት ዝኣኸለ ዘራእቶም ብእዋኑ ክእክቡ ኣዘኻኺሩ።

ሎም-ዘበን ክራማት ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣስታት 15 ሽሕ ሄክታር – ኣእካል፡ ጥረታትን ናይ ቅብኢ ኣዝርእቲን ከምዝለምዖ፡ ጸብጻባት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ የነጽር።

Categories