ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት በብከባቢኡ ስለዝተዋደዱ፡ ህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይረክብ ከምዘሎ፡ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ሓጎስ ዓንደብርሃን ሓቢሩ።

እቲ ንኡስ ዞባ ምስ ዘለዎ ሰፊሕ ዕድላት ሕርሻን ንግድን፡ ህዝቢ ብጻዕቂ ክሰፍሮ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ ኣቶ ሓጎስ፡ ምስ’ዚ ዝመጣጠን ዝርግሐ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ንምርግጋጽ ድማ ብኣድማዕነት ከምእተሰርሓሉ ገሊጹ።

ዛጊት ኣብ ኩሉ ከባቢታት’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ካብ መዋእለ-ህጻናት ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሓ 38 ትካላት ትምህርቲ ብምህላወን፡ ዕድመኦም ንትምህርቲ ዝኣኸለ ህጻናት ግቡእ ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘለዉ፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ከኣ፡ ክልተ ማእከላትን ሸውዓተ መደበራትን ተዋዲደን ህዝቢ ዝምስገን ጥዕናዊ ኣገልግሎት ይረክብ ምህላዉ ኣብሪሁ።

ህዝቢ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ብመንጽር’ቲ መንግስቲ ኣብ ከባቢኡ ዝገበሮ ወፍሪ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምክትታልን ምምዕባልን፡ ስሩዕ ከባብያዊ ጽሬት ኣብ ምክያድ፡ ብቕዓት ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሕያል፡ ከምኡ’ውን ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክብ ኣብ ምባል እጃሙ የበርክት ከምዘሎ ዝገለጸ ኣቶ ሓጎስ፡ እዚ ኮማዊ ተሳትፎ’ዚ ብዝሓየለ ክቕጽል ተላብዩ።

Categories