ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና በብዓመቱ ዝትግበር መደባት ምግራብ ውጽኢታዊ ንክኸውን፡ ኣቐዲሙ ናይ ምዕቃብ ውጥን ክዳለወሉን ዓድታት ሓላፍነት ወሲደን ብግቡእ ክከታተልኦን፡ ወሃብቲ ርእይቶ ጸዊዖም።

ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ብወፍሪ ልምዓት ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ብኮም፡ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስትን ውልቀ ገረብትን ሚልዮናት ፈልሲታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ እንተዀነ ግን ናይ ዕቃበ ውጥን ወጺኡሉ እቲ ዝድለ ምክትታልን ሓለዋን ስለዘይተገብረሉ፡ እቲ ዝጸደቐ ምስ’ቲ ዕላማን ራእይን ዝሳነ ከምዘይኰነ፡ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

ብሰንኪ ዘይምህላው ውርጹጽ ናይ ምዕቃብ ውጥንን ግቡእ ምክትታልን፡ ፍግረ-መሬት ንምክልኻል ዝተተኽለ መበቈላዊ ኣግራብ ንዘቤታዊ ጸዓትን ምስፋሕ ሕርሻታትን ክቑረጽ፡ ከተማ ንምምዕራግ ዝተተኽለ ድማ ብጥሪት ክብላዕ ምርኣይ ልሙድ እናዀነ ምምጽኡ ጠቒሶም ድማ፡ ነበርትን ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ዕቃበ ኣግራብ ዕቱብነት ከርእዩ ኣተሓሳሲቦም።

ሕሩም ሕዛእቲ ኣብ ዕቃበን ምስሳንን ሃብቲ ገረብ ንዘለዎ ኣበርክቶ ዝጠቕሱ ሞያውያን ብወገኖም፡ ኣብ ርእሲ ምውሓስ ቀለብ እንስሳታታት፡ ቁጠባዊ ረብሓታት’ውን ስለዘለዎ፡ በብከባቢኡ ክድፋኣሉ የዘኻኽሩ።

Categories