ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ጥዕና ጥሪት ተዋሒሱ ዝህብኦ ምህርቲ ንኽስስን ብስሩዕ ብዘካይዶ መደባት ክታበት እንስሳታትን፡ ዝህቦ ካልእ ኣገልግሎት ሕክምናን፡ ተርእዮ ሕማማት እንስሳታት ከምዝነከየ ተሓቢሩ።

በዚ ዓመት መጸ ኣማኢት ኣሽሓት ጥሪት ዝሽፍን መደባት ክታበትን ካልእ ኣገልግሎት ጥዕናን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ሕማማትን ባልዓትን ብምክልኻልን ብምፍዋስን ጥዕና ጥሪት ኣብ ምሕላው ዘለዎ ግደ፡ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ኣብ ምክልኻል’ውን ልዑል ተራ ከምዝጻወት፡ ሞያውያን ይሕብሩ።

ስግረ-ዶባዊ ሕማማት ንምክልኻል’ውን ዕቱብ ምክትታል ከምዝግበር ክፍለጥ እንከሎ፡ ዘይተኸትባ ጥሪት ከይተርፋ፡ ሓረስቶት ንጥሪቶም ኣብ ግቡእ ግዜአን ከኽትቡወንን ዝጥርጥርዎ ምልክታት ሕማም ምስ ዝርእዩ ንዝምልከቶ ኣካል ብኣጋ ክሕብሩን፡ ምምሕዳራት ከባብን ንኡስ ዞባታትን ድማ ምትሕብባሮም ከዕዝዙ፡ እቶም ሞያውያን የዘኻኽሩ።

ብዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ጻዕሪን ኣብ ሓረስቶት ተጠርዩ ዘሎ ንቕሓትን፡ ኣብ ጥዕና ጥሪት ዘሰክፍ ስግኣት ከምዘየለ’ዩ ዝሕበር።

Categories