ኣብ ልምዓት መስኖ፡ ምዝውታር ዓበይቲ ኣግራብ ውጽኢታዊ ምዃኑ፡ ካብ 1998 ኣብ ገማግም ሩባ ግራሻ – ሓውሲ ከተማ ሃይኮታ ዝነጥፍ ዘሎ ኣብነታዊ ሓረስታይ ቀሺ ተኽለ ነገደ ገሊጹ።

“ዓበይቲ ናይ ኣትክልቲ ፍረታት፡ ብብዙሕ መለክዒታት ውጽኢታዊ’ዩ” ዝበለ ቀሺ ነገደ፡ ኣሕምልቲ እናፍረኻ ክትሰርሖ ስለዝከኣል፡ ኣልማዕቲ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ወሰናስን ሩባታት ዝካየድ ንጥፈታት ልምዓት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ምስ ዝኸውን፡ ፍግረ-መሬት ዝከላኸልን ቀጻልነት እቶት ዘረጋግጽን ብምዃኑ ድርብ ረብሓ ከምዝርከቦ ብግብሪ ከምዘረጋገጸ ጠቒሱ ድማ፡ ኣልማዕቲ ናይቲ ከባቢ ኣሰሩ ክስዕቡ ጸዊዑ።

ዛጊት ኣብ ውሱን መሬት – ኣራንሺ፡ ለሚን፡ ዘይቱንን ካልኦት ፍረታትን ዘጠቓልል ልዕሊ 300 ኣግራብ ከምዘልምዐን ኣብ ደረጃ ፍረ ከምዝበጽሐን ዝገለጸ ቀሺ ተኽለ፡ ጎኒ-ጎኒ’ቲ ኣብ ዓበይቲ ኣግራብ ኣተኲሩ ዝገብሮ ወፍሪ፡ ኣብ ልምዓት ኣሕምልቲ’ውን ከምዝነጥፍ፡ እዚ ድማ ዕለታዊ ጠለባት ስድራ-ቤቱን ከባቢኡን ብምምላእ፡ መነባብሮኡ ከምዝለወጠ ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ ዮናስ ዮሴፍ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብነታዊ ሓረስታይ ቀሺ ተኽለ ነገደ፡ ብዘካይዶ ኣብ ስነፍልጠት ዝተመርኰሰ ኣሰራርሓ፡ ዝተፈለላየ ዓይነታት ኣትክልቲ ብምትእታትው፡ ብምድቓልን ብምብዛሕን እውን ፍሉጥ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምስ ክኢላታት ሕርሻ እናተማኸረ ስለዝነጥፍ፡ ኣብነት ውጽኢታዊ ዕዮ ኰይኑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ብቐሺ ተኽለ ነገደ ዝለምዕ ኣብ ፍረታት ዘተኰረ ሕርሻ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብዝለዓለ ደረጃ ክድፋኣሉ፡ ሓረስቶት ድማ ነዚ ኣብነታዊ ስራሕ ክስዕብዎ፡ ኣቶ ዮናስ ብተወሳኺ ተላብዩ።

Categories