ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ብዕለት 16 ሕዳር ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 25 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዞም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ዜጋታት፡ 17 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ፡ 6 ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ 2 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ዑበል ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 7 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 518 በጺሑ’ሎ። 451 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ዝተፋነዉ ክኾኑ ከለዉ፡ 67 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና

16 ሕዳር 2020

Categories