ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ብሰንኪ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ከይበጽሖ ዝጸንሐ ከባቢታት ንምርኻብ ክካየድ ብዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ – ነበርቲ ልዕሊ 10 ዓድታት ምምሕዳራት ከባቢ በጉ፡ ኢንጭናቕን ግላስን ተጠቀምቲ ክኾኑ በቒዖም።

ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ኤሪና፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ በጉ – ዓድታት ቦሳ፡ ብሃይማኖት፡ ገዓብ፡ መሓረ፡ ኣሽዓላ፡ ጉበናባዜን፡ ኣምዑት፡ ዓድ-ሕመድ፡ ኢንኪመትሪ፡ ፍርድጊ፡ ኣሸዲራን ከባቢታት ጥንቁላሓስን፡ ከምኡ’ውን ገለ ክፋል ምምሕዳራት ከባቢ እንጭናቕን ግላስን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ተጠቀምቲ ኮይነን ኣለዋ።

ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ዝነብሩሉ ከባቢታት ኣዝዩ ዓሚቚን ብጎቦታት ዝተኸበን ብምዃኑ ናይ መስመር ጸገማት ከምዝነበሮ፣ ስለ’ዚ ድማ ጉዳያቶም ንምስላጥ ናብ ከረንን ሓጋዝን ክኸዱ ስለዝግደዱ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸቕጢ ክፈጥረሎም ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ጉዳያቶም ብቐሊሉ ከሳልጡ ከምዝበቕዑን ጸገማቶም ከምእተቐንጠጠን ገሊጾም።

ምምሕዳር ከባቢ በጉ፡ ሓንቲ ካብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኮይና፡ ካብ ከተማ ሓጋዝ 19 ኪሎሜተር ንሸነኽ ምብራቕ፣ ካብ ከተማ ከረን ድማ 6 ኪሎሜተር ንሸነኽ ምዕራብ ርሒቓ ትርከብ።

Categories