ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ብከበሳታት ኤርትራ ኣቢሉ ናብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ምምሕዳራት ከባቢ ሮራሓባብን ኣግራዕን ዝሰገረ ወራር ኣንበጣ ናይ ምቊጽጻር ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መሓመድ-ሳልሕ መሓመድዓሊ ገሊጹ።

ሎሚ ዓመት ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ብጠቕላላ ልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ሄክታር ተሓሪሱ ዝተፈላለየ ኣእካልን ጥረታትን ከምእተዘርአ፣ ብዝነበረ ህጡር ክራማት ድማ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ዝሓበረ ኣቶ መሓመድ-ዓሊ፡ ካብ ሓደጋ ኣንበጣ ንምክልኻል፡ ሓረስቶትን ሞያውያን ሕርሻን ኣብ ቀጻሊ ዕዮ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።

ነቲ ባልዕ ንምቊጽጻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዘድሊ መሳለጥያታት፡ ናውትን ክኢላታትን ኣዋፊሩ ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት ሃገር ብዝተጠርየ ተመኵሮ፡ እቲ ዕማም ዕዉት ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ያቆብ እድሪስ ብወገኑ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ጐኒጐኒ ሓረስቶትን ክኢላታት ሕርሻን ተዋፊሮም ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ብምምስጋን፡ ብዘይካ ኣብ ውሱን ከባቢታት ምምሕዳር ከባቢ ኣግራዕ ዘጋጠመ መጠናዊ ጉድኣት፡ ነበርቲ ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ምህርቶም ስለዝኣከቡ ዝወረደ ክሳራ ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ ቀለብ ጥሪት’ውን ኣቓልቦ ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሓረስቶት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሳላ ቅልጡፍ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ዝኣኸለ ምህርቶም ብፍላይ ድማ ስገምን ስርናይን ከምዝኣከቡ ብምግላጽ፡ ሕርሻታቶምን መግቢ ጥሪቶምን ካብ ኣንበጣ ንምድሓን ብሞያውያን ሕርሻን ምምሕዳራትን ንዝተገብረሎም ደገፍ ሞጒሶም።

Categories