ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ – መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝተኻየደ ዘተን፡ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናን ምስማር ዞባዊ ምትሕግጋዝን ማእከል ዝገበረ’ዩ።

ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ ህሉው ምዕባለታት ናይ ሓባር ጐረቤት ዝዀነት ሃገር ኢትዮጵያ’ውን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።

Categories