ኣብ ዞባ ማእከል ዝርከቡ ዓማዊል መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን – ‘መውል’፡ በብእዋኑ ንዝረኸብዎ ልቓሕ ብዝግባእ ኣብ ጥቕሚ ስለ ዘውዓልዎ፡ ኣብ መነባብሮኦም ዘተባብዕ ለውጢ ከም ዘምጽኡ ገሊጾም።

እቶም ክሳብ 100 ሽሕ ናቕፋ ዝበጽሕ ልቓሕ ወሲዶም ኣብ ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ካልእን ዝተዋፈሩ ዓማዊል፡ ዘካይድዎ ስርሓት ዋላ’ኳ ብሰንኪ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እንተ ተጸልወ፡ ብሓፈሻ ግን ደሓን ገስጋስ የመዝግቡ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ዕላማ ‘መውል’፡ ዜጋታት መበገሲ ረኺቦም ባዕሎም ዝውንንዎ መጠነ ንኡስ ሕርሻዊ፡ ንግዳውን ናይ ምስናዕ ንጥፈታት ብምክያድ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ምዃኑ ዝገለጸ ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት’ቲ ትካል ኣቶ ታፍላ ኣስመሮም፡ ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ኣብ ኩለን ዞባታት ብዝርከቡ ወከልቱ 36.1 ሚልዮን ናቕፋ ልቓሕ ከም ዝሃበ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ብልቓሕ ተዓዲሉ ካብ ዝጸንሐ ገንዘብ እቲ 59.8 ሚልዮን ናቕፋ ከም እተመልሰ፡ 245 ሚልዮን ናቕፋ ግና ምስ ተለቃሕቲ ከም ዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ዓማዊል ብመሰረት ዝኣተውዎ ውዕል ልቓሖም ኣብ እዋኑ ምስ ዘይመልሱ ኣደዳ ወለድ ስለ ዝኾኑ፡ ክጥንቀቑ ተላብዩ።

ኣብ 1996 ዝቘመ መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን – ‘መውል’፡ ኣብ ሃገርና ብዘይካ ኣብ ንኡስ ዞባታት ሰልዓን ዳህላክን ኣብ ካልኦት ንኡስ ዞባታት ዝርግሐኡ ከም ዘስፍሐ ዝጠቐሰ ኣቶ ታፍላ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ መላእ ሃገር 739 ዓዳውያን ባንክታት ከም ዘለዉ ኣብሪሁ።

Categories