ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሃይኮታ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብምግታእ ጥዕና ጥሪት ንምውሓስን ዝህብኦ ምህርቲ ንምስሳንን ዝሰላሰል መደባት ክታበት፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ’ሎ።

እቲ ብቐንዱ ኣብ ከብትን ጤለበጊዕን ዘተኰረ ክታበት፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ምስ ምትሕውዋስ ጥሪት ሓሓሊፉ ዝርአ ሕማማት ንምቁጽጻር ዝዓለመ ምዃኑ ዝጠቐሰ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዮናስ ዮሴፍ፡ በቲ ዝተኻየደ ወፍሪ 85 ሽሕ ከብትን ጤለ-በጊዕን ከም እተኸትባ ገሊጹ።

እቲ ኣብ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተኻየደ ክታበት፡ መቐጸልታ ናይቲ ውሽጣውን ግዳማውን ሕማማትን ባልዓትን ጥሪት ንምግታእ በብእዋኑ ዝሰላሰል ዕማማት ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ዮናስ፡ ወነንቲ ጥሪት ረብሓን ኣገዳስነትን ናይቲ መደብ ተገንዚቦም፡ ጥሪቶም ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ ከቕርቡን ብነጻ ከኽትቡን ኣተሓሳሲቡ።

ሓረስቶት ብወገኖም፡ ብቐጻሊ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክታበት፡ ጥሪቶም ጥዕናአን ተሓልዩ ክስስናን ውሑስን ብርኩትን ምህርቲ ክህባን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ብምሕባር፡ ዝወሃቦም ሞያዊ ምኽሪ ንምትግባር ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጾም።

Categories