ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝርከባ ሃገራውያን ውዳበታት ዝተወከሉ 120 ኣባላት ዝተሳተፍዎ 2ይ ዙር ስልጠና ካድር፡ ካብ 23 ጥቅምቲ ክሳብ 1 ሕዳር ተኻዪዱ።

እዚ ምስ ሚኒስትሪ ዜና ብምትሕብባር ብማንዛ ዝተኻየደ ስልጠና፡ ብድምር 19 ኣርእስታት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ካብ ኣስመራ፡ ሓለፍቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላላየ ዓውደ-ሞያ ዝነጥፉ ምሁራትን ክኢላታትን ዜጋታት ካብ ኣመሪካ፡ ዓዲ-እንግሊዝን ሱዳንን ብዘቕረብዎ ኣስተምህሮታት ዝተሰነየ ምንባሩ፡ ካብ ዋሽንግተን-ዲሲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣብሪሁ።

ኣብ’ዚ ስልጠና’ዚ፡ ኣብ ዕላማታትን መትከላትን ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ መስርሕ ህንጸት ሰላምን ምትሕግጋዝን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን፡ ህሉው ኩነታት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ቃልሲ ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ቀሪቡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ተራ ህንጸት ብቑዕ ሰብ ዝተመርኰሰ ስትራተጂ ህንጸት ሃገርን ዕላማታት ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒን፡ ኣብ ሕርያን ነጻ መስመርን ዝምርኰስ ውሽጣዊ ውድባውን ፖለቲካውን ገስጋስን መጻኢ መደባትን፡ ውዳበታት ግንባር ኣብ ወጻኢን ኣብ’ዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘለና ሳልሳይ መድረኽ ህንጸት ሃገር ዝጥለብ ቅሩብነት ኩነተ-ኣእምሮን፡ ከምኡ’ውን ምስፋሕ ድልዱል ውዳበን ግብራዊ ሱታፌ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ምህናጽ ቁጠባን ምስግጋር ሞያን ቴክኖሎጅን እውን ዝርዝራዊ ትምህርቲ ተዋሂቡ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ እምነ-ኩርናዕ ቁጠባዊ ዕላማታት ኤርትራ ከም ዝኾነን ነዛ ብከቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበት ሃገር፡ ንኹሎም ዜጋታታ ማዕረ ማሕበራውን ቁጠባውን ዕድላት እተውሕስ ክትከውን ምእንቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ መትከላትን ፖሊሲታትን ዘብርህ፡ ከምኡ’ውን ብወራርን እገዳታትን ዝሰዓበ ሃስያን ዝተኸስረ ዕድላትን ዝፈጠሮ ብድሆታት ንምስጋር ተታሒዙ ዘሎ መደባት ዘነጽርን ተሳትፎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ወፍሪ ንምርግጋጽ ዝምልከትን ሰፊሕ መግለጺ ቀሪቡ።

Categories